ዓንዶም ገብረገርግስ፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣባል ባይቶ ንኽኸውን ጎስጓስ ይገብር ኣሎ

ኣብ ሰነ 2020 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታውን ባይቶኣውን ምርጫ ኣሜሪካ ክሳተፉ ዝደልዩ ተወዳደርቲ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ድሮ ጀሚሮም ኣለዉ፡ ካብዞም ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ዘካይዱ ዘለዉ ሓደ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ይርከቦም። 

ካብ ኣቡኡ ኤርትራዊ ኣብርሃም ገብረገርግስ ካብ ኣዲኡ ኤርትራዊት ኣዘዘት ኣብርሃ ተወሊዱ ወዲ 34 ዓመት ዓንዶም ገብረገርግስ።

ኣዲኡን ኣቡኡን፡ ኣባላት ናይቲ ንቃልሲ ኤርትራ ዝድግፍ ዝነበረ ማሕበር 'ኤርትራውያን ተምሃሮ ሰሜን ኣመሪካ' ከም ዝነበሩ ይዛረብ። 

ካብ የል ዝተባህለ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ብፖለቲካዊ ስነፍጠትን ስነ ቁጠባን ድሕሪ ምምራቑ፡ ንሓያሎ ዓመታት መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። 

ጎኒ ጎኒ ናይ ምምህርና ስርሑ ከኣ ከም ተጣባቂ ማሕበራዊ ፍትሒ ኮይኑ ክነጥፍ ጸነሑ።

ዓንዶም ገብረገርግስ፡ ኣብታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝቢ ዝነብርዋ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ንሓደ ከባቢ ወኪሉ ኣባል ባይቶ ንኽኸውን'ዩ ጎስጓስ ዝገብር ዘሎ።

ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ከኣ ስዒቡ ይቐርብ።

-BBC